ሕርሲ – ናይ ምምጻእ ግዜ!

Föda_176535947.jpg

ሕማም ሕርሲ ከምዝጀመረ ዝሕብሩ ምልክታት ።

Tecken på förlossningsstart_621516791.jpg

ሕማም ሕርሲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጅምር ይኽእል። መብዛሕቱኡ ግዜ ብቓንዛታት ይጅምር፡ እንተኾነ ግን እቲ ናይ መጀመርያ ምልክት “መሐንበሲ ማይ ምስ ዝፈስስ’’ ወይ ሕንጻጻት ናይ ደም ዘለዎ ልፋጭ ምስ ዝፈስስ እዩ።  ሓገዝ እንተደሊኺ ወይ ማይ ምፍሳስ ምጅማሩ እንተጠርጢርኪ ንመሕረስቲ ርኸብዮም።


ምእታው ናብ ሆስፒታል

Inskrivning_1259107699.jpg

ኣብ ሆስፒታል፡ መጀመርታ ን መሕረሲት ትረኽቢ ንሳ ከኣ ሕርሲ ጀሚሩ እንተኾይኑን ክትኣትዊ ድማ እንተለኪ ድማ ትግምግምን። መስርሕ ናይ ሕርሲ ጀሚሩ እንተኾይኑ ናብ ሆስፒታል ክትኣትዊ ኢኺ።

ህጻን ኣብ ማህጸን ከመይ ኣሎ ስእሊ ንምርካብ ብናይ CTG መሳርሒ ጌርካ ድምጺ ናይ ልቡ ምፍታሽ ክግበር እዩ። እዚ ከኣ ኣስር ናይ’ቲ ህጻን ናይ ልቢ ኩነታትን መስርሕ ሕርሲ ኣብ ማህጸንን ይዕቅብ።


ካብ ቃንዛ ምዕራፍ

Smärtlindring_larg.jpg

ሕርሲ ኣቐንዛዊ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ቃንዛ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ነዚ ቃንዛ ንምኽኣል ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ። እቲ ቀንዲ መሰረት ናይ ገዛእ ርእስኺ ኣካላውን ኣእሙራውን ምድላው ምግባር እዩ። እዚ ከኣ፡ ንኣብነት ብምድቃስ፡ ጽቡቕ ጌርኪ ምብላዕን ኣብ ናይ ሕርሲ መዳለዊ ኮርስ ብምስታፍን ይኸውን። ኣብ እዋን ሕርሲ መሕረስቲ ብዛዕባ ፈውሲ ቃንዛን ኣየናይ ኣገባብ ከምዝጥዕምን ምኽሪ ክህቡኺ እዮም። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝምልከት ሓበረታ ኣብ፡ዚ ክትረክብ ትኽእል


ሓጋዚ ሰብ ሙዃን

Att vara stödperson_1072394603.jpg

ከም ሓጋዚ ሰብ መጠን፡ እብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ ዘገርም ኣገዳሲ እጃም ኣሎካ። ኣብ’ኡ ምህላውካን ቅርብ ምባልካን ጥራይ ዓቢ ለውጢ የምጽእ። ቀጻሊ ሓገዝ ምግባር ኣድላይነት ሕክምናዊ ናይ ቃንዛ መህዲኢ፡ መውጺኢ ቫክዩም/ንፋስን መጥባሕትን ከጉድል ይኽእል። እቲ ዝበለጸ ሓገዝ ካብ’ቲ ናብ ኣደ ዝቐረበ ዝምድና ዘለዎ ሰብ ይመጽእ። ንገዛእ ርእስኻ ልክዕ ከም ብርሃን ዘለዋ ኣብ ምድሪ ትርከብ ገዛ ኮንካ፡ እታ ትሓርስ ዘላ ሰብ ድማ ኣብ ዘናውጽ ማዕበል ዘለዎ ባሕሪ ዘላ ጃልባ ጌርካ ስኣሎ። ክትገብሮ ዘሎካ ድማ እዚ ምንዋጽ ዘለዎ ማዕበል ክሳብ ዝውዳእ እታ ብርሃን ዘለዋ ገዛ ኮንካ ብርሃንካ ምውላዕ እዩ።


ሞቕሽሽ ን ሓጋዚ ሰብ

Tips till dig som stöttar_722681980.jpg

ቀዳማይ ሕጊ ድማ ቀረባ ብሙዃን ካብ ኣደ ኣይትፈለ። ዝተፈላለየ ኣገባባት ናይ ምትንኻፍን ምድራዝን ወይ ማሳጅ ፈታትን። ዝኾነ ዝሰርሓልካ ነገር ምስ እትረክብ ከምኡ ምግባር ቀጽል። ብውጺኢት ምድራዝ ወይ ማሳጅ ምስ እትጠራጠር፡ ኣብ’ተን ሰለስተ ናይ ምጭብባጥ እዋናት ፈትን እሞ ገምግሞ። ምትንኻፍ ልክዕ ከም ኣቀማምጣ ማህጸንን ህጻንን-ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ምዃኑ ዘክር። እቲ ምትንኻፍ ቀስ ገርካ ኣንቀሳቕሶን ከመይ ከምዝስምዓ ድማ ሕተት። ቆይቂ ምስ ትረክብ፡ ዳርጋ እቲ ናይ ጸቕጢ ስርዓት እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ስለዚ ን ኣደ ውሕስነት ክስምዓ ምእንቲ ዝያዳ ኣበርቲዕካ ክትሰርሕ የድልየካ። ድኻም ምስ ዝስምዓካ ካብ ኣባላት ሆስፒታል ሓገዝ ሕተት። ደገፍ ምስ እትደሊ’ውን ዘይንቡር ኣይኮነን።


ኣርባዕተ መድረኻት ምውላድ ህጻን

Diagram.jpg

1) ናይ ምሕባእ/ምዱጓል መድረኽ

ኣብ እዋን ናይ ምሕባእ መድረኽ ዝበዝሓ ሰባት ገና ኣብ ገዛ ይጸንሓ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ኢንተርቫል ጸጸኒሑ ምጭብባጥ ይመጽእን ከም ናይ ጽግያት ወይ ፐርየድ ቅርጸት ድማ ይመስል። ቀስ ኢሉ ድማ ዝያዳ ኣቐንዛዊን ጹዑቕን ይኸውን። ስለዚ ምዕራፍ፡ ፎኪስ ምድራዝ ወይ ማሳጅን ምውሳድን ብውዑይ ማይ ነብስኻ ምሕጻብን ጽቡቕ እዩ። ተወሳኺ ፈውሲ ቃንዛ እንተኣድልዩ፡ ኣልቨዶን፡ ፓናዶል ወይ ናይ ነርቭ መበራበሪ አለክትሮድስ ዘለዋ ንእሽቶ መሳርሒ ናይ ተንስ ምጥቃም ይክኣል።

2) ናይ ምኽፋት መድረኽ

ኣብ ናይ ምኽፋት መድረኽ፡ ቃንዛ ዝያዳ ብዘይምቁራጽ ይብርትዕን ይነውሕን። ሕጂ ክሳድ ማህጸን ብሙሉኡ ክኽፈት እዩ። ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ምጭብባጥ 3-4 ግዜ ምስ ዝመጽእ፡ ንመሕረስቲ ናይ ምርካብ ግዜ ኣኺሉ ኣሎ።

3) ናይ ምውጻእ መድረኽ

ህጻን ነዊሕ ተጓዒዙ ናብ ጎሎ ወሪዱ ኣሎ ሕጂ ከኣ ናይ ምድፋእ ግዜ እዩ። ባህርያዊ ክትደፍኢ ክትደልዪ ኢኺ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ግዜ ምጭብባጥ መሕረሲት ምትንፋስ ክትቅጽሊ ክትሓተኪ ትኽእል እያ። እዚ ከኣ ህጻን ገና እኹል ምውራድ ኣይወረደን ስለዝኾነ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ን ቲሹታት ዝያዳ ንክዝርግሑ ንምኽኣል እዚ ከኣ ገዚፍ ሓደጋ ናይ ምቕዳድ ንሙጉዳል እዩ።

4) ቀጥታ ድሕሪ ምውላድ ዘሎ መድረኽ

ቆልዓ ወጺኡ ኣሎ፡ ምናልባት’ውን ቀጥታ ኣብ ጡብ ተነቢሩ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕቱኡ ግዜ ቆልዓ ባዕሉ ከተንፍስን ክበክን ይጅምር፡ ኣብ ገለ ግዜ ግን ንእሽቶ ሓገዝ ካብ ኣባላት ሕክምና የድሊ። መሕረሲት ብተወሳኺ ሕጂ መዳሕንቲ ከምዝወጸን ማህጸን ይጭበጥ ምህላዉን ከተረጋግጽ እያ። ምስፋይ የድሊ እንተኾይኑ መሕረሲት መደንዘዚ ከተካናውን እያ።


መልሰ ግብሪ ኣካላት

Kroppens reaktion_1537325582.jpg

ምህላው ቆልዓ ክትምሃሮ ዘሎካ ነገር ኣይኮነን። ኣካላትካ ብልክዕ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ይፈልጥ እዩ። እንተኾነ ግን ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ንኣካላትካ ከይተደረተ ንክሰርሕ ክኽልክልዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ምጅማር ሕርስን ቃንዛ ምስ ጀመረን ኣካላትኪ ዝበዝሕ እዋን ብናይ ጸቕጢ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ የሪኢ። ናይ “ግጠም ወይ ህደም” ግብረመልሲ ድማ ይመጽእ። እዚ ማለት ጅማውቲ ይውጠሩ፡ ምስትንፋስ ይልወጥ፡ ስለዚ ትሓርስ ዘላ ሰብ ኣብ’ቲ ቃንዛን ተተኩርን ከመይ ግይራ ካብኡ ትወጽእ ትሓስብን። እዚ ግብረ መልሲ ሓደገኛ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ነቲ ሕርሲ ከናውሖን ን ኣደን ዕሸልን ጽቕጢ ክገብር ይኽእል።


ኣድረናሊን ኣንጻር ኦክሲቶሲን

Adrenalin vs. Oxytocin_401021341.jpg

ኣብ እዋን ሕማም ሕርሲ ዝረአ ናይ ጸቕጢ ምጥቃዕቲ ብኣድረናሊን ዝብሃል ናይ ህድማ ሆርሞን እዩ ዝብገስ። እዚ መልሲ-ግብሪ እዚ ብመንገዲ ናይ ጽቡቕ-ይሰማዓካ ዝብል ኦክሲቶሲን ዝብሃል ሆርሞን ይዛነቕ። እዚ መደንዘዚ ናይ ቃንዛ ኮይኑ ን ማህጸን ድማ ብግቡእ ክጭበጥ ይሕግዝ። ኩነታት ናይ ውሑስ ስሚዒት ብምፍጣር ኣካላትና ኦክሲቶሲን ከምዘንዝዕ ክገብሮ። እዚ ከኣ ናዓና ኣብ ግዜ ሕርሲ እንታይ የጋጥም ብቐሊሉ ክነካውኖ ይሕግዘና። ከም ሓጋዚ ሰብ፡ ኣብ’ዚ ብምህላውካ ዓቢ ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል፡ ንእሽቶ መልእኽቲ ወይ ካልእ ብ ኣደ ዝድነቕ ነገር ክኸውን ይኽእል።


ቃንዛ ንምክትታል ዘድልዩ መሳርሒታት

Verktyg för att hantera värkar_1181843014.jpg

ኣብ ግዜ ንጡፍ መድረኽ ናይ ሕማም ሕርሲ ዝስማዕ ረምታ ናይ ምጭብባጥ። ነፍሲወከፍ ምጭብባጥ ካብ ኣስታት 60-90 ሰከንድታት ይወስድን ካባኡ ሽዑ ብውሕዱ ንነዊሕ ዝጸንሕ ደው ምባል ይመጽእን። እዚ ማዕበላት ወይ ጥርዝታትን መትረባትን ተባሂሉ ክግለጽ ይክኣልን ታሕተዋይ ክፋል ናይ ነፍስወከፍ መትረብ ድማ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ምጭብባጥ ይመጽእ። ነዚ ህርመት ብሓባር ክትረኽቦ ፈትን፡ ስለዚ ኣብ ግዜ ምጭብባጥ ብምስራሕ ኣብ ደው ዝብለሉ ግዜ ድማ ተዕርፍ። ኣብ’ናይ ሕጂ ብምቱኳር ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ምጭብባጥ ውሰድ። እቲ ቃንዛ ምስ ሓለፈ ንምዝናይን ዳግማይ ንምስራሕን ብሓባር ዓሚቕ ምስትንፋስ ግበሩ።

ምስትንፋስ

ንትሓርስ ሰብ ዝምልከት

ኣብ ግዜ ቃንዛ ብትዕግስትን ህድኣትን ንምስትንፋስ ኣቶኩሪ። ኣብዚሕኪ እንተድኣ ኣስተንፍስኪ፡ ኣብ ኣካላት ዘይምምዝዛን ይስዕብ፡ እዚ ድማ ናብ ማህጸንን ናብ ህጻንን ዝውሕዝ ኦክስጅን ይውሕድ።

ንዝሕግዝ ዘሎ ሰብ

ነቲ ምስትንፋስ ብምስማዕ ብምክትታል ሓግዝ ኣጸቢቑ ይስማዕ እዩ፡ ን ኣደ ዝያዳ ብህድኣት ከተስተንፍስ ከተዘክራ ትኽእል ኢኻ።

ምዝናይ

ንትሓርስ ሰብ ዝምልከት

ቃንዛ ንምቅላስ ክትውጠር ክትደልዪ ባህርያዊ እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ግዜ ምጭብባጥ ንኩሉ ኣካላትካ ከተዛንዮ ፈትኒ። ኣብ መንጋጋ፡ ማእገር፡ መቐመጫን ሰለፋትን ኣቶኩሪ፡ ምኽንያቱ ክንውጠር እንኮለና ኣብዚኣቶም እዩ ዝያዳ ወጥሪ ዝስምዓና። ኣብ ግዜ ምጭብባጥ ሓደ ጭዋዳ ኣሎ ክሰርሕ ዝድለ ንሱ እዩ ከኣ ንማህጸን ዝቆጻጸር።

ንዝሕግዝ ዘሎ ሰብ

ነቲ ወጥሪ ብምጥማትን ብምስትምቓርን ኣውጽእዮ። ብቃላትን ምትንኻፍን ገርካ ምዝናይ ምትብባብዕ።

ድምጺ

ንትሓርስ ሰብ ዝምልከት

ኣብ ግዜ ምጭብባጥ ፎኪስን ምኡዝን ቃና ተጠቐሚ። መንጋጋኺ ከቢድን ዝተዛነየን ምዃኑ ሕሰቢ። ሕርሲ ኣብ ናይ ጽዑቕ ደረጃ ምስ ኣተወ፡ ዝብዝሕ እዋን ብህድኣትን ትዕግስትን ምስትንፋስ ኣሸጋሪ እዩ። ስለዚ ንደገ ከተስተንፍስ ከለኺ ድምጺ ምውጻእ ምቹእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ድምጺ ምድሃብ ነቲ ቃንዛ ንምቁጽጻር ቀሊል ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ንዝሕግዝ ዘሎ ሰብ

ንድምጻ ስማዕን ኣድላዪ እንተኾይኑ ውን ነቲ ምኡዝ ቃና ናይ ድምጺ ድማ ኣዘክራ። ንባዕልኻ ድምጺ ንምግባር ኣይትፍራህ። ካልእ ሰብ ኣብ ክፍላ ድምጺ ይገብር እንተልዩ ነታ ኣደ ድምጺ ንክትገብር ይቐለልላ።

ሓሳባት

ንትሓርስ ሰብ ዝምልከት

ብዘየገድስ ከመይ ዓይነት ሕርሲ ትሓርሲ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኺ ተኣማመንን ኣካላትኪ ድንቂ ሙዃኑ ዘክርን። ዘይከም ቃንዛ ኩርምትን ካልኦት ቃንዛታት፡ ዘቋረጸ ቃንዛ ከምዘይምለስን ከሙኡ ከኣ ናይ ሕማም ሕርሲ ቃንዛታት ብውሑዱ የዕርፉ ምዃኖም ዘክሪ፡ ዋላ’ኳ ንሕጂ ከቢድ ይኹን ክዝከር ዝግበኦ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ንእሽቶ ውላድኪ ክትራኸቢ ኢኺ።

ንዝሕግዝ ዘሎ ሰብ

ኣደ ኣወንታዊ ስእሊ ኣብ ቅድሚኣ ከተቐምጥን ዝመጻ ኣሉታዊ ሓሳባት ክትልውጦን ብምዝኽኻር ኣተባባዓያ። ዋላ’ኳ ትሓርስ ዘላ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሳ ምትእምማን እንተኣጥፈአት፡ ንስኻ ጸኒዕካ ክትቀውምን ምትብባዕካ ክትቅጽልን ይግባእ።


ዝተፈላለዩ ኣገባባት ሕርሲ

ብ ኣፍ ርሕሚ ምውላድ ኣጸጋሚ ወይ ሓደገኛ ዝገብሩ ነገራት እንተዳኣ ሃልዮም፡ መጥባሕቲ ክትገብሪ ግቡእ እዩ።

እንተዘይኮይኑ ግን፡ ዝበዝሕ ግዜ ብ ኣፍ ርሕሚ ምሕራስ ይምረጽ። ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ምሕራስ ዝምልከት ዝያዳ ንምንባብ ኣብ’ዚ


ሕውየት

ካብ’ቲ መዳሕንቲ ተላጊባትላ ዝነበረት ቁስሊ ናይ ማህጸን ድሕሪ ሕርሲ ቁሩብ ምድማይ ክህሉ እዩ። እዚ ከኣ ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ፈሳሲ ወይ ደም ይብሃልን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ 6-8 ሰሙናት ደው ይብልን። ኣብዝ’ዚ እዋን እዚ ሓደጋ ናይ ረኽሲ ካብ ንቡር ንላዕሊ ይዛይድ። ስለዚ ምሕጻብ ሰብነት፡ ብዘይ ኮንዶም ዝግበር ጾታዊ ርክብን ብዘይካ ፓድ ወይ ጡጥ ናይ ንጽህና መከላኸሊ ኣወግዲ። ንቀጻሊ ጸገማት ንምውጋድ ኣብ ከብድን ባይታ ናይ ጎሎን ዘለዉ ጭዋዳታት ምውስዋስ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።


ተኸታታሊ ምርኣይ

ናይ ድሕረ ክንክን ምርኣይ ኣብ ናይ ድሕሪ ሕርሲ ክሊኒክ ኣብ 8-12 ሰሙናት ድሕሪ ሕርሲ ይግበር። ኣብዚ ሕርሲ ከመይ ከምዝነበረን ድሕሪ ሕርሲ ከመይ ተሰሚዑክን ከሙኡ ድማ ብዛዕባ ምቁጽጻር ወሊድ ክትዛረብ ትኽእል። ከም ሓቂ ኣብ ሓጺር ግዜ ድድሕሪ ሕርሲ ዋላ እንዳ ኣጥቦብኪ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።


ዘክሩ!

Kom ihåg_VGR17-SSNeonatal_310517_9645_18385_large.jpg

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተኣማመኒ

ኣብ ሕርሲ ዝነበረ ግዜ ዓቢ ብደሆ ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ ግን ብርግጽ ኣዝዩ ሓያል ተመኩሮ ውን ኔሩ ክኸውን ይኽእል። ብኡ ክትሓልፊ ኢኺ፡ ከምኡ ድማ ምስ ሓድሽ ውላድኪ ክትራኸቢ ኢኺ።

ንኣባላት መሕረሲ እመንዮም

ኣብ ሕርሲ እንተኣለኺ፡ ኣብ ውሑስ ኣእዳውን ቅድሜኺ ንብዙሓት ቆልዓ ኣብ ምሕራስ ዝሓገዙ ሰባትን ኢኺ ዘሎኺ። ኩሉ ሪኦሞ ኣለዉ፡ ኣብ ኣካላትኪ እንታይ ይካየድ ኣሎን ከምኡ ከኣ ነቲ ዘጋጥመኪ ብድሆ ንምክዋን እቲ ዝበለጸ መንገዲ ይፈልጡ እዮም።


Chatta med Liv