Webbplatsen använder teknik som troligen inte stöds av din webbläsare som exempelvis Internet Explorer 11. Vissa saker kan se konstiga ut eller inte fungera. Vi rekommenderar att du byter till en modern webbläsare istället.

Gå direkt till huvudinnehållet

HPV-vaccination

ክታበት ኣንጻር ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ

ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ክታበት ኣብ ሓፈሻዊ መደብ ክታበት ቈልዑ ዝካተት ኮይኑ ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ድማ ኣዝዩ ልዑልን ኣገዳስን ናይ ምክልኻል ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ’ዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ቫይረስ፡ ብዛዕባ እቲ ክታበትን ስለምንታይ እዚ ክታበት እዚ ገና ካብ ግዜ ቊልዕነት ኣትሒዙ ንኽውሰድ ከም ንመክርን ክትመሃር ኢኻ። ኣብ’ዚ ላዕሊ ዘሎ ፊልም ብምርኣይ ክትጅምር ንላቦ።

ክታበት ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን

 ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ሓደ ኣዝዩ ልሙድ ቫይረስ ኮይኑ ንመብዛሕቱ ሰብ ድማ ኣብ ህይወቱ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት የጋጥሞ እዩ። ልዕሊ 200 ዓይነታት ኤች ፓይሎሪ ቫይረሳት ኣሎዉ። ገለ ክፋል ካብ’ዚኣቶም ናይ ዋህዮ ለውጢ ከስዕብ ዝኽእል ረኽሲ ከስዕቡ ይኽእሉ። ከም ዕድል ኮይኑ ወይ ከም ናይ ኣጋጣሚ ነገር ድማ ኣብ ግዜ ዕብየት መንሽሮ ናይ ማህጸን ከስዕቡ ይኽእሉ። ናይ ኤችፓይሎሪ ቫይረስ ክታበት ድማ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መንሽሮ ዝከላኸልን ኣብ ግዜ ንእስነት ዝውሃብን ክታበት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ እዚ ክታበት እዚ ኣብ ሓፈሻዊ መደብ ክታበት ቈልዑ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ማህጸን ንዘሎዎም ቈልዑን፡ ንኣብነት ጾታዊ ለውጢ ንዝገበሩን ካብ ክልቲኡ ንዘይኮኑን ንኽወሃብ ተባሂሉ ኣብኡ ተኻቲቱ ዘሎ።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

ኣብ ኣካላትካ እንታይ ኣጋጢሙ?

እቲ ክታበት ሓደጋ ዘየስዕብ ቅዳሕ ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝሓዘ ኮይኑ ናይ ኣካላት ኣንጻር እዚ ቫይረስ እዚ ዝህሉዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝሃንጽ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ መጻኢ እዞም ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝብሃሉ እንተ ዳኣ ኣጋጢሞም ኣካላትና ይነቅሕ’ሞ ኣንጻር እዚ ቫይረስ እዚ ይቃለስ። ክታበት ድማ ኣንጻር እቶም 90% መንሽሮ ማህጸን ከስዕቡ ዝኽእሉ ኤችፓይሎሪ ቫይረሳት ልዑል ዝኾነ ናይ ምክልኻል ሓገዝ ይገብር።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

ጎድናዊ ሳዕቤን የኸትል ድዩ?

ድሕሪ እቲ ክታበት ምውሳድኩም ኣብ’ቲ መርፍእ ናይ ክታበት ዝኣተወሉ ቦታ ናይ ኣካላትኩም ማለት ቅልጽምኩም ቀሊል ነድርን ሕበጥን ክረአ ይኽእል እዩ። ናይ ነድሪ ስምዒት ክህሉ ይኽእል እዩ። ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ክልተ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ንገለ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ሕማም ርእስን ረስንን ክገብረሎም ይኽእል እዩ። መብዛሕቱ ግዜ ግን ንመብዛሕታኦም ዝኾነ ነገር ኣይስመዖምን እዩ። ክታበት ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ፍቱን፡ ዘተኣማምንን ኣዝዩ ውጽኢታውን እዩ።. ልዕሊ 80 ሚልዮን ዝኾኑ ኣህዛብ ተኸቲቦም ኣሎዉ ዛጊት። ካብ’ዞም ዝተኸትቡ ድማ ዝኾነ ዘስግእ ዕብየት ወይ ምዕባለ ሕማም ዘጋጠሞ የሎን።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

እቲ ክታበት መዓስ እዩ ዝውሃብ?

ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ክታበት ዝወሃቦም ኩላቶም ህጻናት ብናጻ ክረኽቡዎ ዝኽእሉ ብመሰረት ናይ ተማሃሮ ፍወሳዊ ማእከል ሓምሻይ ወይ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ዝህሉዉሉ ግዜ እዩ። እቲ ክታበት ኣብ ግዜ ሓምሻይ ክፍሊ ወይ ሻድሻይ ክፍሊ እንተ ዘይተዋሂቡ ነቲ ሓኪም ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ምዝርራቡ ጽቡቕ እዩ። ገለ ኽፋል ናይ’ቲ ዝወሃብ ክታበት 18 ዓመት ዕድመ ክሳብ ትመልእ ብነጻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ገለ ኮምዩናት ንብምሉኡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ግዜ ትምህርቲ ናጻ ዝኾነ ናይ ኤች ፓይሎሪ ክታበት ኣበርክቶ ይገብራ። ኣብ ውሽጢ ልዑል ውሕስነት ክፍሊት ዘለኻ እሞ ድማ ኣብ መንጎ 18-26 ዓመት ዝዕድመኻ እንተ ዄንካ ’ውን ነዚ ክታበት እዚ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎካ። ዝተረፉ ካልኦት ግን ነዚ ናይ ኤች ፓይሎሪ ክታበት ባዕላቶም ከፊሎም እዮም ዝረኽቡዎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ንማእከል ጥዕናኻ ወይ ድማ ንክሊኒክ ክታበት ተወከስ።  ተፍትሽ ኣካይድን ኣወዳድርን ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ማእከል ጥዕና ተወከስ።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

እቲ ክታበት ብኸመይ እዩ ዝውሃብ?

እቲ ክታበት ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ናይ ቅልጽም ብመርፍእ መልክዕ ብሓኪም ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውሃብ። ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተወሰኑ ናይ ኣዋርሕ ፍልልይ ድማ ይውሃብ። እቲ ቈልዓ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድመኡ እንተ ኾይኑ ኣብ ሰለስት ኣጋጣሚታት ይውሃብ። 

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

8 ካብ 10 ሰባት ክታበት ኤች ፓይሎሪ ክታበት ይመርጹ።

ብሓባር ኴንና ምክልኻል ናይ ማህጸን መንሽሮ ንርከብ። ሓደ ሰብ ብመንገዲ ክታበት ኣቢሉ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ካብ ምልባዕ ይከላኸል።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

ቈልዓ ኣብ ገዛእ ኣካላቱ ምሉእ መሰል ኣሎዎ።

ኩላቶም ቈልዑ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ኣካላቶም መሰል ኣሎዎም። እንተ ኾነ ግን እቲ ቈልዓ ክፋል ናይ’ቲ ዝውሃቦ ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ክታበት ንኽወስድ ንስኻትኩም ከም ቀንዲ ተጸዋዕቲ ማለት መጒዚት ናይ’ቲ ቈልዓ ከም ምዃንኩም መጠን ዕቱብ ዝኾነ ተገዳስነት ከተርእዩ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ውላድኩም ብዛዕባ ክታበት ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ክትዘራረቡ እንከለኹም እዞም ሓበሬታ ዝሓዙ ንኣሽቱ ወረቓቕቲ ክትጥቀሙ ንምሕጸነኩም። ዝኾነ ዘሰክፍ ነገር ኣሎ እንተ ኾይኑ ምስ ሓኪም እቲ ቤት ትምህርቲ ተዘራረቡ።

ኣብ 1177 ጥዕናዊ መምርሒ ብዝያዳ ኣንብቡ።

ክታበት ኤችፓይሎሪ ቫይረስን መርመራ ዋህዮን፡

ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ክታበት ንዂላቶም ዓይነት ኤች ፓይሎሪ ቫይረሳት ኣጠቓላሊ ዝኾነ ምክልኻል ኣይገብርን እዩ። እተን ብእዋኑ ወይ ኣብ ግዜኡ ክታበት ኣንጻር ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝተኸትባን ካብ 23 ዓመት ዕድመአን ኣትሒዘን ብተኸታታሊ ናብ ክፍሊ ማህጸን ማእከል ምክትታልን ምቊጽጻርን ዋህዮ ዝኸዳን ዘበላ ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ምክልኻል ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ኣሎወን።

ብዛዕባ ክፍሊ ማህጸን ማእከል መርመራ ዋህዮ ብዝምልከት ብዝያዳ ኣብ CELLPROV.SE ኣንብቡ።

ብዛዕባ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስን ብዛዕባ ክታበት ኤች ፓይሎሪ ቫይረስን ብዝያዳ ኣብ UMO.SE ኣንብቡ።

ብዛዕባ ንቘልዓ ዝውሃቦ ክታበት ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝምልከት ከም ቀንዲ ተጸዋዒ ማለት መጒዚት መጠን ዝያዳ መብርሂ ንምርካብ ኣብ FOLKHALSOMYNDIGHETEN.SE ኣንብቡ።