ብሓባር ምንባር – ምስ ህጻንኪ ምንባር

leva_intro.jpg

ወላዲ ሙዃን

säng.jpg

ወላዲ ሙዃን ዓቢ ለውጢ እዩ። ዘሎ መንነትካ/ኪ ይልወጥን ሃንደበት ድማ ጠቕላላ ኣባኻ ዝሙርከስ ሓላፍነት ናይ ሓድሽ ንእሽቶ ሰብ ይህልወካ/ኪ። እኹል ድቃስ ኣይወስደክን/ካን ከምኡ ድማ ውላድኪ/ካ ከመይ ከምዝዓቢ ካብ ካልእ ዓለም ብዙሕ ጠለባት ብምምጻእ ነብስኺ ኣብ ቀያዲ ሓላፍነት ትረኽባ/ብያ። ወለዲ ነዚ ካልእ መልሲ ግብረ ይህብሉ። ምስ ሓደ ዝቕርበካ/ኪ ሰብ ብሙዃን ስሚዒትካ/ኪ ንምክፋል ኣይትሕፈር/ሪ።


ምትእስሳር

Amma_2.jpg

ዉላድካ/ኪ ምስ ሓደ ምቾትን ሓለዋ ዝልግሰሉን ሰብ ክተኣሳሰር ይደሊ ዉላድካ/ካ ከም ሰብ ሓጎስ ክስመዖን ከዓብን ኣገዳሲ አዩ ንህጻንኪ ብምዝራብ፡ ኣካላዊ ቅርበት ብምሃብን ናትኪ ተፈጥሮኣዊ ጨና ከለሊ ብምሕዳግን ናይ ጽቡቕ ጥምረት ሃዋሁው ምፍጣር ይክኣል። በዚ ምክንያት አዚ ብርቱዕ ሽቶ ወይ ጨና ኣወግዲ።


ስምዒታዊ ነውጺ

Känslostormar.jpg

ድሕሪ ህጻን ምዉላዱ/ዳ ኣብ ኣካላት ናይ ኣደ ናይ ሆርሞናት ሕንፍሽፍሽ ይፍጠር አዩ። መጻምዲ ውን ብተመሳሳሊ ቅልጡፍ ምልዉዋጥ ናይ ስሞዒት ይገብር እዩ። ብዙሓት ሓደሽቲ ወለዲ ድሕሪ ህጻን ምውላዱ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ብናይ ሕርቃን ስሚዒት ይትሓዙ እዮም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ጸቕጢ ኣሎዎን ምክንያቱ ክትሕጎሱ ስለዝነበረኩም እዩ። እዚ ከኣ “ቤቢ ብሉስ”- ወይ ብሽወደን “ንብዓት ሳልሳይ መዓልቲ” ይብሃል - መብዛሕቱኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ይሓልፍ። እንተዘኣቛሪጹ ድማ “ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ከምዚ ዘኣመሰለ ኩነታት ሓገዝ ምርካብ ኣገዳሲ አዩ።

ሓገዝን ምኽርን እንተድኣ ደሊኺ ምስ ናይ ድሕሪ ሕርሲ ክሊኒክ ወይ ማእከል ክንክን ቆልዑ ርክብ ግበሪ።


ዝምድና

Det är din tur.jpg

ናኣሽቱ ቆሉዑ ምህላው ምናልባት አቲ ዘዓበየ ኣብ ዝምድና ዘጋጥም ዘዓበየ ጸቕጢ እዩ። ምስ ስእነት ድቃስ፡ ጭንቀት፡ ጠለባትን ጸቕጥን ኣብ’ቲ ዝበለጸ ኩነታት ክትህልዉ ከቢድ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኩሉ ኣድህቦኻ ናብ ህጻን ክትገብር የድሊ፡ እዚ ከኣ መብዛሕቱኡ ግዜ ን መጻምድኻ ኣብ “ ውሽጢ ዛሕሊ”ይገድፎ። ነዚ ምዝክኻር ዝበዝሕ እዋን ምስ ናይ መዓልታዊ ብድሆታት ንምውህሃድ ይሕግዝ እዩ። ዋላ’ውን ቀጻሊ ንሓጺር ግዜ ይኹን ንሓድሕድካ ንምዝርራብን ገለ ጊዜ ብሓደ ከተሕልፍን ክትፍትንን’ውን ይሕግዝ እዩ።


ንበይንኻን በሓባርን ዝህልወካ ግዜ

Egentid och tillsammanstid_2.jpg

ኣብ ግዜ እንተመጺኻ ሂወት ምስ ቆሉዑን ብዘይ ቆሉዑን ዓቢ ዝኾነ ፍልልይ ኣለዎ። መብዛሕቱኡ ግዜ ንሓደሽቲ ወለዲ ኩሉ ክገብሩዎ ዝደልዩዎ ነገራት ንምግባር ግዜ ንምርካብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ መጻምዲ ዝምድና ትነብር እንተኾንካ/ኪ ነዚ ዝምድና ዝኸውን ግዜ ይሓጽረካ/ኪ እዩ። ንበይንኹም ንሙዃን ንናይ ብሕቲ ግዜ ዝኸውን ክፍሊ ብምግባር፡ ግን ከኣ ነቲ ህጻን ክትምለስዮ ኢኺ፡ እንተኾነ ግን ምናልባት ንናይ ሓባር ግዜ ዝኸውን ውጥን ንምግባር ምውሳን ከድሊ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ናይ ክልቴኹም ርክባት ዘይምቁራጽ እዩ። ኩላ እታ ስድራቤት ብናይ ወለዲ ዘህልዎም ጽቡቕ ናይ ሓባር ግዜ ተረባሒት እያ።


እተን ሓሙሽተ ናይ ታኣምር ሰዓታት

De fem magiska timmarna.jpg

ከም መጻምዲ እዘን “ሓሙሽተ ናይ ታኣምር ሰዓታት” ምፍታን ይክኣል እዩ። እዚ ጠቕላላ ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብምፍላይ ሓድሽ ዝዝውተር ነገር ብምፍጣር ነቲ ዝምድና ብዛዕባ ምሕያል እዩ። እዚ ልምምድ እዚ ኣብ ሓሙሽተ ቀለልቲ ልምምዳት ይኽፈል። እቲ ቀዳማይ እነሆ...

ንግሆ ድሓን ውዓል/ሊ ክትብል ኮለኻ/ኺ

ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ መጻምድኻ/ኺ ክግበሮ ዘለዎ ብዛዕባ ሓደ ነገር ሕተት። ዝኾነ ነገር ካብ ምኻድ ናብ ኣገዳሲ ኣኼባ፡ ክሳብ ናብ እንዳ ስኒ ወይ ህጻን ብዓረብያ ገርካ ምኻድ ክኸውን ይኽእል።

ደረት ግዜ 2 ደቓይቕ ንመዓልቲ x 5 ናይ ስራሕ መዓልትታት ጠቕላላ፡ 10 ደቓይቕ

ምሸት ኣንደገና ክትራኸቡ ከለኹም

ብዛዕባ ነገራት ንምዕዝምዛምን ወይ ኣብ ቀትሪ ዘጋጠመ ጽቡቕ ነገራት ንምክፋል ኣብ ግዜ ምሸት ንክልቴኹም ዝኸውን ግዜ ብምውሳድ ዕድል ምርካብ። ኣብ’ዚ ካብ ዝምድናኹም ወጻኢ ዘለው ኩሎም ሽግራት ኣልዕልዎም፡ ብተወሳኺ ናይ’ታ መዓልቲ ፍጻመታ - ብሓፈሻን ብዝርዝርን። እቲ ሓደ ይሰምዕን ይድግፍን።

ደረት ግዜ 20 ደቓይቕ ንመዓልቲ x 5 ናይ ስራሕ መዓልትታት ጠቕላላ፡ 1 ሰዓትን 40 ደቓይቕን

ንሓድሕድኩም ኣድናቖት ተገላለጹ

ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፍጻሜታት ዕድል ተጠቒምኩም ክሳብ ክንደይ ንመጻምድኹም ከም ትተድንቕዎ ኣርእይዎ።

ደረት ግዜ 5 ደቓይቕ ንመዓልቲ x 7 መዓልትታት ጠቕላላ፡ 35 ደቓይቕ

ምቅርራብን ለውሃትን

ንሓድሕድኩም ተተናኸፉ፡ ተሓቛቘፉ፡ ተሰዓዓሙን ተደራረዙን። ኣብ ግዜ ቀትሪ ዘጋጠመ ናኣሽቱ ምትሕርራቓት ይኺድ ግደፍዎን ኣለስልስ ኣቢልኩም ድማ ብሩክ ለይቲ ተበሃሃሉ።

ደረት ግዜ 5 ደቓይቕ ንመዓልቲ x 7 መዓልትታት ጠቕላላ፡ 35 ደቓይቕ

ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ግዜ

ዝኾነ ዘይተወደአ ስራሕ ንምልዓል ዕድል ተጠቒምኩም ንዓኹም ዝኸውን ግዜ ከምዝህልወኩም ኣረጋግጹን ኣብ ንሓድሕድኩም ተገዳስነት ኣርእዩን። ንመጻምድኻ/ኺ ክትሓቶ ዘሎካ ሕቶታት ሕሰብ ከም፡ ከምዚ ኸ ከመይ ይኸይድ …? ብዛዕባ እዚ ከመይ ይሰምዓካ/ኪ …? ቀጺልናኸ እንታይ ክንገብር …?

ደረት ግዜ 2 ሰዓታት ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ጠቕላላ፡ 2 ሰዓታት ጠቕላላ

ድምር፡ 5 ሰዓታት


ቅርርብን ጾታዊ ርክብን

sova isär.jpg

ድሕሪ ውላድ ምምጹኡ፡ እቲ እቐዲሙ ዝስተማቐር ዝነበረ ቅርርብን ጾታዊ ርክብን ናብ ዝነበሮ ክምለስ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፡ ብዙሓት መጻምዲ እዚ ነገር ኣብ በይኖም ጥራይ ዘጋጥም ተመክሮ ክመስሎም ይኽእል። እንተኾነ ግን እዚ ማዕበል ድሌት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክመጽእን ክኸይድን ዳርጋ ንቡር እዩ። ከምኡ’ከኣ ፍቕራዊ ዝምድናኻ ከይትስእኖ ጽቡቕ እዩ፡ እዚ ከኣ ፍቕርን ጾታውነትን ክፋል ናይ ኩሉ እዮም። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ድማ ንሓድሕድካ ደፊርካ ብዛዕባ ትጽቢታትካን ድሌታትካን ክትዘራረብ ምኽኣል እዩ። ነዚ ድማ ዝኮነ ሰብ ከይተጎድአን ምንጻግ ከይተሰሞዖን ወይ ብዘይጸቕጥን ከምዝኸውን ግበሮ።


ናይ ምዝርራብ ሞቕሽሽ ንመጻምዲ

Sen.jpg
  • ቃና ናይ ምዝርራብ ኣስተብህሉ ዝበዝሑ ዝርርባት ከምቲ ዝጀመርዎ ቃና ከምኡ ይውድኡ።
  • እቲ ሓደ ሰብ እንታይ ይሓስብ ወይ ይስሞዖ ኣይትገምት/ቲ ካብ ከምኡ ሕተት!
  • ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባትን ስሚዒታትን ግለጽ፡ ከምዝመስለኒ፡ ክምዝርድኣኒ፡ ክመዝስምዓኒ፡ ከምዘድልየኒ።
  • ምውቕቓሳትን ብሓፈሻ ጌርካ ምዝራብን ኣወግድ። ንስኻ/ኪ ኩሉ ግዜ …,ፈጺምካ ኣይደለኻን/ን …,ኩሉ ግዜ ከም’ዚ ትገብር/ሪ …,
  • እቲ ሓደ እንታይ ማለት ሙዃኑ ከምዝተረዳእካ/ኪ ኣረጋግጽ ናይ ምቁጽጻር ሕቶታት ሕተት ከም፡ እዚ ከም’ዚ ማለትካ/ኪ ድዩ?
  • ፍልልያትኩም ተቐበሉን ንሓድሕድኩም ተለዋውሁን

ኦው ደስ ዘብል እዩ! ኣበይ ከቐምጦ ይኽእል?”

hjälp.jpg

ካብ ዓርከ-መሓዛን ስድራቤትን ኣጋይሽ ምምጻእ ደስ ዘብልን በዳህን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዘይተዳሊኻ/ኺ ኣጋይሽ ክመጹኻ ሕራይ ክትብል ከምዘይብልካ/ኪ ዘክር። ብናይ ገዛእ ርእስኻ ስጉምቲ ከምዝኸውን ግበርን ከም ስድራ ኣብ ናትካ ምዕባለ ኣቶኩር። ነፍሲወከፍ ነዚ ክርደኦን ከኽብሮን ይግባእ።


ብሓባር ምድቃስ

Sova tillsammans_1710290017.jpg

ሓቢርካ ምስ ህጻን ምድቃስ ኣካታዒ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን (National Board of Health and Welfare) ትሕቲ 3 ኣዋርሕ ህጻን ብሑቑኡ ኣብ ናቱ ዓራት ክድቅስ ውሑስ ይኸውን። እዚ ከኣ ኣጋጣሚታት ሃንደበታዊ ሞት ህጻን ንምውጋድ እዩ። ኩሎም ህጻናት ኣብ ናቶም ዓራት ምድቃስ ኣይሰማሞዖምን እዩ። እቲ ህጻን ኣብ ናትኪ ዓራት ክድቅስ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ህጻን መደቀሲ ረተ ገርካ ኣብ’ቲ ናይ መጨረሽታ ርእሲ ናይ ዓራት ምቕማጦም ጽቡቕ እዩ። እዚ ከኣ ሓደጋ ናይ ቆልዓ ገጽ ወዝቢ ካብ ምሽፋን የጉድል። ቆልዓ ኣዝዩ ከይረስን ምግባሩ ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ብጃማን ረቒቅ ኮቦርታን እኹላት እዮም።


ቆልዓ ምእባድ ምስ ዝኣቢ

När barnet känns otröstligt_301455563.jpg

ብኽያት ህጻን ሓያል ስሚዒት ይቕስቕስ። ተስፋ ከቑርጸካ ይኽእልን ነቲ ኣነ ዝበለ ዝጽመም ወላዲ ክዕብዶ ይኽእልን። ወለሓንቲ ክግበር ከምዘይክኣልን ካብ’ኡ ንላዕሊ ክትጻወር/ሪ ምስዘይትኽእልን ምስተሰምዓኪ/ካን ሓንሳብ ነቲ ቖልዓ ኮፍ ኣቢልኪ/ካ ዕረፍቲ ውሰድ። ኣብ ጥቓኺ/ኻ ካልኣይ ምስ ዝህልወካ ክሕዘልካ/ኪ ሕተት። ዝኾነ ተጋጠመ ፈጺምካ/ኪ ቆልዓ ከይትንውንዊ/ው! ምኽርን ሓገዝን እንተደሊኺ/ኻ ኩሉ ግዜ ንማእከል ክንክን ቆልዓ ርኸብዎም።


ምስካም ህጻንካ/ኪ

Bära bebis_233060395.jpg

ህጻንካ/ኪ ኩሉ ግዜ ተሸከመኒ ምስ ዝብል ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ኣዝዩ ልሙድን ብሸነኽ ቆልዓ ድማ ባህርያዊ ምቕጻል ናይ ጥዕና እዩ። እቲ ዝበለጸ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ድማ ንህጻንካ/ኪ ብዝተኻእለ መጠን ቆርበት ንቆርበት ኣልጊብካ ምሓዝ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብጨርቂ ምሕዛል ወይ ምጥማር ሓጋዚ ኮይኑ ይረኽብዎ።


ናይ ህጻን መጻወቲ

Bebisprylar_1594926583.jpg

ናይ ህጻናት መፍረ ኣቑሑ ኣዝዮም ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ኣለው። ምስ’ናይ መሸጣታት ጥበብ፡ ስሚዒታት ናይ ወቐሳ ኣብ ወላዲ ክፍልፍሉ ከቢድ ኣይኮነን፡ ቆልዓኻ/ኺ ክጻወት ትደልዮ፡ ጽቡቕ? ልክዕ እዩ፡ ገለ ነገራት ዋጋ ሚዛኖም ዳርጋ ወርቂ ክኸውን ይኽእል እዩ እንተኾነ ግን ዝበዝሑ ኣየድልዩን እዮም። ውላድካ/ኪ ቅርበት፡ ውሕስነት፡ ፍቕሪ፡ መግብን ድቃስን ይደሊ። ኣኸለ።


ዘክሩ!

Kom ihåg_1324320275.jpg

ንእሽቶ ሓፈሻዊ መረዳእታ ነዊሕ የኺደካ/ኪ እዩ። ብዛዕባ ህጻናትን እግሪ ተኽልን ብዙሕ ዝንበብ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ከመይ ገርካ ሓድሽ ህጻን ትከናኸን ሓያል ርእይቶ ኣለዎም። ህጻንካ/ኪ እንታይ ብዝበለጸ የድልዮ ባዕልኻ/ኺ ኢኻ/ኺ ትፈልጦ።


Chatta med Liv