ምምጋብ – ኣመጋግባን ቅርበትን

mata_1290500113.jpg

ጸባ ጡብ ንህጻን ምሃብ

Amma4.jpg

ነፍሲ ወከፍ ኣደ ውላዳ ከመይ ገይራ ከምትምግቦ ባዕላ ትውስን እያ። እንተኾነ ግን ናይ ጸባ ጡብ ቀዳማይ ምኽርና እዩ። ኣብ ሽወደን ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ምኽሪ ንኽተል፡ ንሱ ከኣ ን ሹዱሽተ ኣዋርሕ ካልእ መግቢ ከይወሰኽካ ንህጻን ጸባ ጡብ ኣደ ጥራይ ምጥባውን ብድሕሪኡ ክሳብ ክልተ ዓመት ድማ ጸባ ጡብ ከፊላዊ ክውሃብ ይኽእል። ጸባ ጡብ ኩሉ ንቆልዓ ዘድልዮ ልክዕ ዝኾነ ሕውስዋስ ይርከቦ። ምስኡ ከኣ ብተወሳኺ እቲ ቆልዓ ቅርበትን ውሕስነትን ይስምዖ።


ረብሓታት ጸባ ጡብ

Fördelar med bröstmjölk_156014336.jpg
  • ሃናጺ
  • ብቐሊሉ ይሓቅቕ
  • ልክዕ ንቆልዓኻ ኢሉ ዝተሰርሐ እዩ።
  • ልክዕ ሙቐት
  • ልክዕ ዓቐን
  • ንናይ ቆልዓ ስርዓተ ምክልኻል ረብሓ ኣለዎ
  • ናይ ዕቤት ሆርሞናት ወይ ነዝዕታት ይርከቦ
  • ካብ ረኽሲ ይከላኸል (ጸረ ተሃዋስያን)
  • እቲ መግቢ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀረባ እዩ

እቲ ቅኑዕ ናይ ምጥባው ተክኒክ ወይ ጥበብ

Amma3.jpg

ኣብ ፈለማ እቲ ቅኑዕ ተክኒክ ወይ ጥበብ ናይ ምጥባው ንምርካብ ቅሩብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጽቡቕ ምልክት ዝኸውን ኣይጎድእን እዩ። ኣብ’ዚ እነሆ ገለ ቁሩብ ሞቕሽሽ ።

  • ንህጻንኪ ናባኻ ኣቕርብ ኣቢልኪ ሕቖፍዮ
  • ተጠንቒቕኪ ንጫፍ ጡብ ናብ ላዕለዋይ ከንፈር ናይ ህጻንካ ኣቕንዕያ
  • ከናፍር ናብ ጡብ ገጾም ምምጣጦም ጽቡቕ ምልክት እዩ። 
  • ቆልዓ ብኑጹር ብናይ መንጋጋ ምንቅስቓሳት ይስሕቦ ምህላዉ ኣረጋግጺ
  • ቆልዓ ንጫፍ ጡብ ብሙሉኣ ንገለ ክፋል ናይ’ቲ ሕብራዊ ክፋል ናይ ጡብ ድማ ኣብ ኣፉ ክረኽቦ ኣለዎ።
  • ህጻንኪ ብጉቡእ ገጥ ኣቢሉ ክሕዛ እንተዘይኪኢሉ ደጊምኪ ሃብዮ። ንእሽቶ ኣጻብዕኪ ኣብ’ቲ ኣፍ ናይ ህጻን ብምንባር ነቲ ባዶሽ ወይ ቫክዩም ልቐቕዮ። እዚ ከኣ ክፍንዎ እዩ፡ መሊስኪ ከኣ ክትጅምሪ ትኽእሊ።

ብዛዕባ ምጥባው ዝምልከት ሓገዝ እንተደሊኺ፡ ናይ ምጥባው ክሊኒክ፡ ማእከል ክንክን ቆልዓ ወይ ናይ ድሕረ-ሕርሲ ክሊኒክ ርኸብዮም።

 


ተወሰኽቲ ናይ ምጥባው ሞቕሽሻት

Fler amningstips_1440379625.jpg

ምጥባው ንምጅማር ብዙሕ ግዜን ጸዓትን ይደሊ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ሓገዝ ዘድሊን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ሞንጎ ናይ ምጥባው ሰዓታት ገለ ዕረፍቲ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ግዜ ምጥባው ሰላምን ህዳኣትን ምህላው ኣረጋግጺ፡ ምኽንያቱ ናይ ጽቡቕ ይሰምዓካ ኦክሲቶሲን ዝብሃል ሆርሞን ወይ ነዝዒ ጸባ ብጉቡእ ክውሕዝ ስለዝገብሮ። ናህና ምኽሪ ኣብ ዘድለዮ ምጥባው እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ንህጻንኪ ጡብ ክደሊ ከሎ ጸባ ጡብ ምሃብ እዩ - ዋላ’ውን መጨረሽታምስ ኣጥቦብክዮ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ይኹን።


ብ መትሓዚ ምጥባው

nappflaska.jpg

ገለ ኣደታት ከጥብዋ ኣይክእላን፡ ገለ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብጡብ ከጥብዋ ኣይደልያን። ንህጻንኪ ብኩባያ ወይ መትሓዚ ጸባ ጡብ ወይ መተካእታ ጸባ ጡብ ገርካ ምጥባው ጽቡቕ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል። ን ምጥባው ዝምልከት ተመሳሳሊ ምኽሪ ተጠቐም። ስለዚ ህጻንኪ ከምዝጠመየ ምልክት ምስ ሃበ ኣጥብውዮ ከምኡ ከኣ ነቲ ህጻን ኣጸቢቕኪ ሕቖፍዮ ምኽንያቱ ፍቕሪ ስለ ዘዕቢ።


መተካእታታት ጸባ ጡብ

ersättning1481265608.jpg

መተካእታታት ጸባ ጡብ ኣብ ዝበዝሐ መኻዝን ግሮሰሪታት ይርከብ እዩ፡ ብመንጽር ናይ ኣመጋግባ ኣመለኻክታ ብልክዕ ዘዕግቡ ኣማራጺ ናይ ጸባ ጡብ እዮም። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታትን ጠባያትን ዘለዎም ኣለው፡ ኣየናይ ይሰማማዕ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣማራጺ ይኸውን። ተመሳሳሊ ድማ ንናይ ህጻን መትሓዚ ጎማታት። ዝተፈላለዩ ዝሓሸ ዝሰርሑልኪ ንምርካብ ባዕልኺ ክትፍንዮ ኣሎኪ።


ህጻንኪ/ካ ከምዝጠመየ/ት ከመይ ጌርኪ ትፈልጢ/ጥ

bebisen är hungrig_586197239.jpg
ናይ ፈለማ ምልክታት

እቲ/ታ ህጻን ይጠዋወን ይዝርጋሕን፡ ርእሱ ይሕዝ፡ የእዳው የንቀሳቕስ፡ የምባሁቕ፡ ከናፍሩ ይሃርም፡ ናይ ምልሓስ ተግባራት የሪኢን ኣብ ከባቢ ጡብ ድምጺ ይገብርን ሃሰስ ይብልን።

ጸኒሑ ዝመጽእ ምልክታት

እቲ/ታ ህጻን የእዳው ኣብ ኣፉ የእትውን ይጦቦምን። መመሊሱ/ሳ ይንቀሳቐስን ዕረፍቲ ይስእንን የዕገርግርን። ኣብ መጨረሽታ ምብካይን ማውጫጭን ይመጽእ።

ንህዱእን ብመጠኑ ዝጠመየ ቆልዓ ከተጥቡ ይቐልል። ኣዝዩ እንተ ሓሪቑ/ቓ፡ መጀመርያ ኣብዶ ድሓር ኣጥብውዮ/ያ። ቆልዓ ምልክት ምስ ሃበ ኣጥብውዮ/ያ። በዚ መንገዲ ምስ ድልየቱ/ታ ዝሰማማዕ ጸባ ይመልእ። ናይ ሓድሽ ዝተወልደ/ት ቆልዓ ከስዐ ክንዲ ቸሪ እያ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዩ ንእሽቶን ቀቀልጢፍካ ምሃብን ኣገዳሲ መምርሒ ዝኸውን። ቆልዓ ኣብ ጥቓኺ እንተኾይኑ/ና ነዞም ናይ መጀመርታ ምልክታት ንምፍላይ ቀሊል እዩ።


ናይ ህጻንካ/ኪ ምጉሳዕ

Erbjud barnet att rapa_188170445.jpg

ናይ ጸባ ጡብ ይኹን መተካእቱኡ ዝወስዱ ህጻውንቲ ንፋስ ክስሕቡ ልሙድ እዩ። እዚ ከኣ ብጌጋ ከምዝጸገበ/ት ክመስል ይኽእል ወይ ቅርጸት ይገብር። ስለዚ ቆልዓ ከጉስዕ ክትገብሮ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ ነቲ ቆልዓ ትኽ ኣቢልኪ ንግዚኡ ኣንጻር ጡብኪ ወይ መንኩብ ምሓዝ እዩ። ቆልዑ ከምዝፈላለዩ ዘክር/ሪ። ኩሎም ኣየጉሱዑን እዮም።


ጠቓሚ ሓበረታ ብዛዕባ ሓርኢ ቆልዓ

Värdefull bajsinfo_1198705747.jpg

ኣብ ከክንደይ ግዜ ህጻውንቲ ይሓርኡ ይፈላለዩ እዮም። ገለ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መግቢ፡ ገሊኦም ከኣ ሓንሳብ ኣብ መዓልቲ ወይ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ይሓርኡ። እቲ ናይ መጀመርታ ዝወጽእ ሓርኢ መብዛሕቱኡ ግዜ ጸሊምን ሓፍስን ዝጣበቕን እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ግና ናይ’ቲ/ታ ቆልዓ ኣካላት ነቲ ናቱ/ታ ሓድሽ መግቢ ስለዝተወሃሃዶ እቲ ሓርኢ ብጫ ይኸውን።


ኣመጋግባ ኣብ ግዜ ምጥባው

Kost under amning_753547633.jpg

ከተጥብዊ ከለኺ ህጻንኪ ኩሉ መግቡ ካባኺ እዩ ዝረኽቦ። ዝያዳ ካልእ እዋን ዝያዳ ካሎሪን ዝያዳ ፈሳሳን ከምዘድልየኪ ኣብ ሓንጎልኪ የእትውዮ። ቪታሚናትን ሚነራላትን ዝበዝሖ ዝተፈላለየ መግቢ ምብላዕ ፈትኒ። ህጻንኪ ናይ ከስዐ ሽግር እንተገይሩ ጋዝ ወይ ንፋስ ዝፈጥሩ ከም ሽጉርቲ፡ ባልደንጓን ውጺኢት ጸባን ዝኣመሰሉ ኣወሳስዳ መግብኺ ኣጉድልዮ። ኣብ ናይ ሽወደን ወኪል መግቢ (Swedish Food Agency)፡ ገለ ጽቡቕ ዝኾነ ሞቕሽሽ ምኽርታትት ናይ ምጥባው ክትረኽቢ ኢኺ።


ነድሪ ጡብ

ምልክታት ነድሪ ጡብ ብ ምቕያሕን ምሕባጥን ዝተሰነየ ቃንዛ ዘለዎ ምትራር ናይ ጡብ እዩ። ረስንን ብሓፈሻ ናይ ሕማም ስሚዒትን ክህልወኪ ይኽእል። ነዚ ጸቕጢ ንምህዳእ ምጥባው ወይ ምሕላብ ሓጋዚ እዩ። ፓራሲታሞል ወሲድኪ ረስኒ እንተዘይሕሹኪ ረኽሲ ክህልወኪ ይኽእል እዩ። እዚ እንተኾይኑ እቲ ጉዳይ ናብ ሓኪም ምርኣይ ከድልየኪ እዩ።


ዝነዝዕ ጡብ

Bröst som läcker_696023476.jpg

መብዛሕቱኡ ኣጥባት ዝነዝዕ ምጥባው ክትጅምሪ ከለኺ ወይ ኣብ ግዜ ጥንሲ ውን የጋጥም እዩ። ምንዛዕ ንምጉዳል ንሓጺር ግዜ ጫፍ ጡብ ጽቐጥዮ። ረጂ ናይ ጡብ ንከይጥልቂ ኣብ ጡብ ዝኣቱው ምሱኳዕ ወይ ጸባ ዘዋህሉሉ መትሓዚ ብምግባር ደው ከተብልዮ ትኽእሊ። ዘየድሊ ዘይምምቻእ ንምውጋድ ኣጥባትኪ ንቑጽን ምዉቕን ኮይኑ ክጸንሕ ኣለዎ።


መጺጽ ጫፍ ጡብ

Såriga bröstvårtor_1016513776.jpg

ኣብ ግዜ ምጥባው ኣብ ጫፍ ጡብኪ መጺጽ ንጣባት ክትረኽቢ ልሙድ እዩ፡ እዚ ከኣ ህጻን ክጦቡው ከሎ ክሃስዮ ይኽእል እዩ። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ ህጻንኪ ንጫፍ ጡብኪ ብሙሉእ ኣይዓጸዎን ስለዝኾነ እዩ። ካልእ ናይ ምጥባው መኣዝን ብምፍታን እዚ ሓጋዚ እንተኾይኑ ርኣዪ። መጸጽቲ ጫፋት ናይ ኣጥባት ብቁሩብ ጸባ ጡብ ገርካ ብምልስላስ ቀልጢፎም ክሓውዩ ይሕግዝ።


ዘክሩ!

Kom ihåg_VGR17-SU01398_large.jpg

ናይ ጸባ ጡብ ጽቡቕ መግቢ ህጻን እዩ፡ እንተኾነ ግን ከተጥቡዊ ኣይትገደድን ኢኺ። ንኩሎም ህጻናትን ወለድን ዝምጥን ፍታሕ የሎን።


Chatta med Liv